Fiyori Kesete – ኣዱርየ / ADURYE

In this video

እዞም ኣወዳት ሲ እቲ ደቀንስትዮ ዝስምዐን ስምዒታት ጽቡቕ ጌሮም እባ ‘ዮም ዝፈልጥዎ። ክልቲአን እዘን ደርፍታት እኮ በወዳት ‘የን ተገጢመን። እዋእ እሞ ስምዒት ወዲ ኣለልያ ትገጥም ዶ ተሳእነት ወደይ? እስከ ብጓል ተገጢማ ብወዲ ዝተደርፈት ደርፊ እንተሃልያ ወስ በሉኒ

ድምጻዊት
ፍዮሪ ከሰተ

ዳይረክተር
ፊሊሞን ኪሮስ

ግጥምን ዜማን
ትኩእ ኣለም

ወግሐ ጸብሐ ብቑጥዐ
ኣይተዕልሊ ምስዚ
ኣይዛረቢ ምስ ኩስቶ
ኣበይ ነይርኪ
ምስመን ኔርኪ
እናበልካ ከም ቆልዓ
ኣይተዋጥረኒ ብሕቶ

እመን…….

ድምጻዊት
ነህምያ ዘርኣይ

ዳይረክተር
Dr. Sweet. J

ግጥምን ዜማን
ሙኒር ዓሊ (ወዲ ሞያ)

ፍቕሪ ዘንቀሎ ብዘይጭብጢ
ነብስኻ ምቕሻሽ
ኣነ ብንጽህተይ ባዶነት
ሓዚልካ ምርባሽ
እንታዋይ ዩ ሰላም ዝበለኪ
መን ‘ዩኸ እቲ ዝደወለልኪ
እናበልካ ብሓይሊ ምፍካር
ጎነጽ ዝዓብለሎ ምንህሃር
ግደፎ ባ ግደፎ
ቀስ በል……

ሰናይ ሰንበት
ወሓዚት

(Visited 290 times, 1 visits today)

About The Author

You might be interested in

LEAVE YOUR COMMENT

Your email address will not be published.