Ghirmay Andom – Hywet | ሂወት

In this video

ነዛ ናይ ግርማይ ዓንዶም ደርፊ ‘ትንሳኤ ሙዚቃ ኤርትራ’ እንተበልክዋ ይውሕዳ ዶ?

“ህይወት

ህይወት ከም ጸወታ ዳማ፡ ኣብ ኩፉት ጣውላ ምሳይ ትጣላዕ፡
ኣብቲ ዝመልኮ ናይ ምንባር ሜላ’ስ ክስዕራ የ ኒ ናብራ።
ውሽጠይ ግን ዪጎድለኒ’ሎ፡
ምልኣት ስኢኑ፡ ልበይ ዓቢሩ፡
ሓይለይ ተፈራሪቑ ፍቕሪ ኣሰኒፍዎ፡፡

ንፍቕሪ ግን ከመይ’ለ ክስዕሮ፡
ልበይ ከሎ ጅሆኺ፡
ምኻድኪ ኣይኮነን ከም ኣማጸኣኺ፡
ኣድህቢ፡ ልበይ’ዩ ዘሎ ኣብ ኢድኪ።

ህይወት ምስ ኩሉ ሕብራ፡ በዳሂ ቓልሳ፡ ንዝጸዓረ’ስ ተርእዮ፡ ምንባር ዘብህግ ጽባቐ ኣለዋ።
ስእነትኪ ግን ጽባቐ እንተ- ሃልይዎ፡
ከም ጸልማት ንኮኾብ ዘንጸባርቖ፡
ኣነ ግን ብዕዉር ልበይ
ከመይ’ለ ክርእዮ!

ህይወት ከም ጸወታ ዳማ፡ ኣብ ኩፉት ጣውላ ምሳይ ትጣላዕ፡
ኣብቲ ዝመልኮ ናይ ምንባር ሜላ’ስ ክስዕራ የ ኒ ናብራ።
ውሽጠይ ግን ዪጎድለኒ’ሎ፡
ምልኣት ስኢኑ፡ ልበይ ዓቢሩ፡
ሓይለይ ተፈራሪቑ ፍቕሪ ኣሰኒፍዎ፡፡

ትራኢ ምሳኺ ዝሓልሞ፡
ትጥርዚ ኣብ ውሽጥኺ ዝበጽሖ፡
ከም ዋዛ ንልበይ ዘዕዘሮ፡
ስእነቱስ ከመይ’ለ ክኽእሎ!

ህይወት ከም ጸወታ ዳማ፡ ኣብ ኩፉት ጣውላ ምሳይ ትጣላዕ፡
ኣብቲ ዝመልኮ ናይ ምንባር ሜላ’ስ ክሲዕራ የ ኒ ናብራ።
ውሽጠይ ግን ዪጎድለኒ’ሎ፡
ምልኣት ስኢኑ፡ ልበይ ዓቢሩ፡
ሓይለይ ተፈራሪቑ ፍቕሪ ኣሰኒፍዎ::”

What a beautiful lyrics and melody!
Like it and share it!
Greetings
Wehazit

(Visited 894 times, 1 visits today)

About The Author

You might be interested in

LEAVE YOUR COMMENT

Your email address will not be published.