Henok Huruy – Snit | ስኒት

In this video

“ተናፋቒ ሓወይ ንዓየ
ስደደለይ ጥዑም ደሃየ
ሩሐይ ኢኻ ምቕለይ ንዓየ
ድመቐለይ ከምዛ ጸሓየ
መን እዩ ዘይምነያ 
ንፍቐሪ ናይ ኣሕዋት
በሓደ ክንስጉም
ኣብ ዝኾነ ህሞት
ፍልጠት ዩ ዝመስሎ
ንዘይፈልጦ ጽልኢ
ግዜ ዘይቅስቦ
ዘይንበብ ራኢ
ይትረፈኒ እኽሊ
ዓሚጸ ዝበልዖ
ድቃስ ይሕሸኒ
ጊሓት ዘይስኦ
ክብረይ ኢኺ
ሓብተይ ንዓየ
ስደድለይ ጥዑም ደሃየ
ብረቕለይ ብርሃን ዛ ልበይ
ተቐመጢ ወትሩ ኣብዛ ቅድመይ

ከምቲ ዝመስለኒ
ዝጥዓመ ኣብ ዓለም
ስኒት እዩ ፍቕሪ
ብዘይቀለዓለም
ንዝ ህውኸኒ ዝኸላልእ ሰላም
ትዕግስቲ ያ ሓይለይ
ስቕ ኢልካ ምጽማም
ቶባ ምፍልላይ መን ኢለ ምጽራይ!
ዝኾነ ኾይኑ ስኒት የ ዝምነይ”

‘Making a great first impression is imperative to becoming an influential leader’ ይብሉ ጽዓዱ፡ ኣብ ሙዚቃ ዓለም ሞራላዊ ዝኾነ ደርፊ ሒዙ ዝተቐልቀለ ሄኖክ ነዚ ዝነፍሰና ዘሎ ናይ ምፍልላይ ንፋስ ኣሰኪፍዎ ብ ፍቕሪ ክንስዕሮ በዛ ምቕልልቲ ደርፉ ጌሩ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ። ስራሕ ዳይረክተር ውን ኣነ ክገልጾ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ፈትየዮ: እጹብ ድንቂ ስራሕ ኢለ ጥራይ ‘የ ክሓልፍ፡፡ ኣብ መጀመርያ ነታ ደርፊ ክሰምዓ ኸለኹ ግን እቲ ግጥምን፡ ዜማን ናይ ፍጹም ምዃኑ ኣይሰሓትክዎን! እስከ ከማይ ዝገመትኩም እንተሊኹም ንምንታይ ‘ዩ ንገሩኒ፧

ተናፈቕቲ ኣሕዋተይ ንዓየ
ስደዱለይ ጥዑም ደሃየ!

ሰናይ ሰንበት
ወሓዚት ኣብርሃም

(Visited 687 times, 1 visits today)

About The Author

You might be interested in

LEAVE YOUR COMMENT

Your email address will not be published.