Amanuel Goitom – Teamanit | ተኣማኒት

In this video

ብመጀመርያ ን ድምጻዊ ኣማንኤል ርሑስ ጋማ ፈረይትን: ጸገይትን ይግርኩም እናበልኩ ኣብ ክሊፕ ‘ተኣማኒት’ ዝተሰመዓኒ ቅረታይ ክገልጽ። እዛ ክሊፕ ክትጅምር እንከላ ብ ‘እሰይ ስለቴ ሰመረ’ እትብል ናይ ዘማሪት መስከረም ወልደ እያ ትጅምር: እዚ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ህዝቢ ዜማን ግጥምን ውን ኣለዋ፣ ከመይ ድኣ ያታዊ ይግጥምን ዜማን ብ መሓሪ ዑቕባምካኤል (ጠዊል) ኢሉ ይጸሓፍ? ግጥምን ዜማን ብ መሓሪ ዑቕባምካኤል (ጠዊል)ን ናይ ህዝብን: ወይ ግጥምን ዜማን ብመሓሪ ዑቕባምካኤልን: ያታውን ክኸውን ኣለዎ:: ተመሳሳሊ ውን ኣብ ናይ ሚኪኤለ ኣብርሃም {ሸጡ} ‘ጉራይ’ ግጥምን ዜማን ብመሓሪ ዑቕባሚካኤል ብምባል ወጺኡ ኣሎ፣ ኣብዚ ውን ናይ ህዝቢ ግጥምን ዜማን ኣሎ።

ዝኾነ ዘይናትካ ጥበብ ክሳብ ዝሓወስካ ነቲ ዋና ናይቲ ስራሕ ክተፍቅዶ ኣለካ! ናይ ህዝቢ ተተሓዊስዎ ኽላ ክጸሓፍ ኣለዎ: ወላ ናይ ኣምሓርኛ ይኹን ክጽሓፍ ኣለዎ! ስነጥበብ ክቡር እዩ እሞ ዘይስራሕናን ዘይጸዓርናሉን ከም ናህካ ጌርካ ምውጻእ ክኹነን ኣለዎ: ኣፍረይቲ ውን ኣብ ሳንሱር ምግባር ክሓምቁ ከም ዘይብሎም ከዘኻኽር ይፈቱ።ሊንክ ናይ ሰለስቲአን ደርፊ ኣብ ታሕቲ ተመልከቱ። 

Wehazit Abraham

(Visited 340 times, 1 visits today)

About The Author

You might be interested in

LEAVE YOUR COMMENT

Your email address will not be published.